ብዛዕባና

መጻሕፍቲ ኣብ ግዚኦም

ምስ ጽሓፍቲ ጥቡቕ ርክብ ብምግባር ወትሩ እትጠልብዎም ሓደስቲ መጻፍቲ ኣብ ግዚኦም ደበኽ ነብለልኩም።

ክትረክቡና ምስ ትደልዩ ከኣ በዛ ኣብዚ ታሕቲ ዘላ መራኸቢት ናይ ዋትሳብ ርኸቡና።

ርትዓዊ ዋጋ

መጻሕፍትና ብርትዓዊ ዋጋታት’ዮም ተቐሪቦሙልኩም ዘለው፡ እታ ትጠብዋ ዘለኹም መጽሓፍ’ውን ዘሎ ምጉዳል ዋጋኣ ሪኢኹም ክትጠክብዋ ትኽእሉ ኢኹም፡

ብተወሳኺ ብብዙሕ ክትጠልቡ ምስ ትደልዩ ምጉዳል ዋጋ ክግበረልኩም ክትረኽቡና ንላቦ።

ውሑስ መስደዲ

እትጠልብዎም መጻሕፍቲ ብውሑስ ኣገባብ ኣብ ኢድኩም ከም ዝበጽሑ ንገብር፡

ብተወሳኺ ብዛዕባ ምድንጓየ’ውን ኣይትሰከፉ፡ መጻሕፍትኹም ኣብ እዋኑ ከም ዝመጽሕ ንገብር ኢና።

ውሕስነት ኣከፋፍላ

ኣብ ኣከፋፍላ ኣዝዩ ውሑስ መንገዲ ኢና ንጥቀም፡ ስለዚ ኣብ ኣከፋፍላ ውሕስነት ክስምዓኩም ኣለዎ፡

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ኣገባብ ኣከፋፍላ መንገድታት’ውን ኣዳሊናልኩም ኣለና።

ብዛዕባናን ዕላማናን

ራእይና ዕላማናን ንቲ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ህዝብና ኩሉ ሰብ መጽሓፍቲ ትግርኛ ብቋንቋ ዓዱ ከንብብ ዕድል ክረክብ ን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ድማ ብዝሒ ብቐጻሊ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዘሎ ባህሎምን ሃይማኖቶምን ታሪኹ መታን ከዕቅቡ ዝሰርሕ እዩ። ራእይና ንዓኻትኩም ክውን ክኸውን ንምርግጋጽ፡ኮኮብ ጽባሕ ኣሕታሚን ኣከፋፋሊን Publishers & Distributors ናይ ግሊ ትካል ኮይኑ መጽሓፍቲ ኣብ ምሕታምን ምክፋልን ንክነጥፍ እዩ ሓገዝኩም ኣይፈለየና።

ኮኾብ ጽባሕ ወብሳይት ዕላማኣ ንኣዳለውቲ መጻሕፍቲ ባዕሎም ደሪሶም ወይ ተርጉሞም ዘዳለዉዎ መጻሕፍቲ ናብ ኣንበብቲ ኣካላት ንምብጻሕ ኢዩ።
ካብዚ ፕላትፎርም ዝደለኹሞ መጻሕፍቲ ጠሊብኩም ናብቲ ዝሃብኩሙና ኣድራሻ ከኣ ከንሰደልኩም ኢና።

“ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ዝበለጸ ህያብ መጽሓፍ አዩሞ፡ ንፈተውትኹም ካብዚ ወብሳይትና ጠሊብኩም ኣድራሾኦም ምስ ተእትውዎ ከም መልክዕ ህያብ ናብ ፈተውትኹም ክነብጽሓልኩም ድልዋት ኣለና።”

ብዘንበብካ ቁጽሪ ብዙሕ ኢኻ ትፈልጥ ብዙሕ ብዝተማሃርካ ቁጽሪ ከኣ ናብ ብዙሓት ቦታታት ኢኻ ትኸይድ።

ናይዝጊ ተወልደ

ዓማዊልና ብዛዕባና እንታይ ይብሉ፡

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓማዊልና ብዛዕባና ብዙሕ ተመኩሮኦም የካፍሉና ኢዮም ገለ ካብኡ ከኣ እዚ ዝስዕብ’ዩ።

መጽሓፍትና ሎሚ ብጽሕዎም

ብጣዕሚ ብሉጽ መጽሓፍ ብርትዓዊ ዋጋ ረኺበ፡ ካብቲ ቀንዲ ዘሐጎሰኒ ከኣ ምስ ጠለብኩዋ መጽሓፍ ልክዕ ኣብ 3 መዓልታ ኣብ ኢደይ በጺሓ፡
ክብረት ይሃበለይ ብጣዕሚ’የ ዘመስግነኩም ኮኾብ ጽባሕ ፕላትፎርም።

ሳሚ

ዓሚል

ዋውው! ብእኩብ 3 መጽሓፍቲ ብሃንሳብ ወሲደ ንዝሃብኩሙኒ ምጉዳል ዋጋ ኣዝየ የመስግንኩም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ከም ህያብ ንኻሎኦት መሓዙተይ ከተብጹሑለይ ክጠልብ’የ ከም ወትሩ ጽፉፍ ኣገልግሎት ክትህቡና ይላበወኩም።

ሳባ

ዓሚል

ካብ ዓማዊልና ወትሩ ዝቐርቡልና ሕቶታት

ዓማዊልና ወትሩ ዘቕርቡና ሕቶታት ኣብዚ ኣንብብዎም፡ መልስታትና ከኣ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ-ወከፍ ሕቶ ኣሎ፡
ንስኹም’ውን ዘለኩም ሕቶታት ኣብ ታሕቲ ዘላ ናይ ዋትሳብ መራኸቢና ክትጽሕፉልና ትኽእሉ ኢኹም።

መጻሕፍትና ብጽሕዎም
ሎሚ ዝጠለብኩዎ መጽሓፍ ኣብ ክንደይ መዓልታት ኣብ ኢደይ ክበጽሕ ይኽእል፧

እዚ ኣብ ዘለኻዮ/ኽዮ ሃገር ይምርኮስ ዋላ’ኳ እንተኾነ፡ ዝበዝሕ እዋን ግን ኣብ ውሽጢ 3 ክሳብ 7 መዓልታት ኣብ ኢድካ/ኪ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ።

ብዙሕ መጽሓፍቲ ክጠልብ እንተደልየ ምጉዳል ዋጋ ይግበረለይ’ዶ፧

እወ፡ ምጉዳል ዋጋ ይግበረልካ/ኪ’ዩ፡ ብዋትሳብ ርኸበና/ብና’ሞ ናይ ምጉዳል ዋጋ ኩፖን ኮድ ክንህበካ/ኪ።

እንታይ ዓይነት ባንክ ኢኹም ትቕበሉ፧ ውሑስ ድዩ’ኸ፧

ብኹሉ ዓይነት ባንክ ንቕበል ኢና፡ ናይ ምሉእ ዓለም ቪዛ ወይ ማስተር ካርድ ንቕበል ክንከውን እንከለና ናይ በዓል ኤውሮፓ ከኣ ኩሉ ዓይነት ኣከፋፍላ መንገዲ ኣለና፡ ብተወሳኺ፡ ፐይፓል’ውን ኣለና።
ንውሕስነት ዝምልከት ከኣ እወ ኣገባብ ኣከፋፍላ ኣብዚ ፕላትፎርምና ኣዝዩ ውሑስ’ዩ።