ሓደስቲ፡ ብርትዓዊ ዋጋ
ታሪኽ ኤርትራ ካብ ምምጻእ ጣልያን ክሳብ ምምሕዳር እንግሊዝ
€25.00
ካብ መግዛእቲ ጥልያን ክሳዕ ምምጻእ ምምሕዳር ኢንግሊዝ
ካብ መግዛእቲ ጥልያን ክሳዕ ምምጻእ ምምሕዳር ኢንግሊዝ
መእተዊ
ዝሓለፈ መርሚርካ ን ጽባሕ ተምሃር ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ክንብል ከለና ታሪክና ፡ታሪክ ህዝብና ማለት እዩ።
ታሪኽ ናይ ኤርትራ ዝብል ንምጽሓፍ ዘገደሰኒ ንዘመናት ሃገርና ገዛእቲ ክበራረዩላ ቀንዲ ምኽንያቱ ንምፍላጥ እየ ክመራመር ተበጊሰ ንምርምር ክጥዕመኒ ታሪኽ ኽድህስስ ጀሚረ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መግዛእቲ ዘመናት፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ኣዝዩ ዝመረረን ተበራራይ መግዛእቲ ዘሕለፈን ዝተበደለ ህዝቢ የለን።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ መንነት ናይ ሃገሩን ናይ መግዛእቲ ታሪኽን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ሃገርንና ንምፍላጥ እዩ ብባዕዳዊያን ዝወረደና ወጻዓን ከምእውን ንዝሓለፈ ታሪክ ብምፍታሽ ናይ መጻኢ ተስፋ ንምርኣይን ካብ ዝሓለፈ ጌጋትታና ንምምሃርን እዩ ።
ኣብዚ መጽሓፍ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዝተደገፉ ሓቕታትን ብሰነዳት ዝተመርኮሱን ይኹን እምበር ንምርምርን ንሃናጺ መእረምታ ክፉት እዩ።
እዚ መጽሓፍ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ ኩነታት መርሚርካን ፈሊጥካን ናይ ካልእ ዓለም ኣካይዳ ኣገናዚብና ንዝመጽእ ወለዶ ታሪኽ ኤርትራ ብቑንዕ መንገዲ ንትውልዲ ንምትሕልላፍ ግቡእ ንምፍጻም ዝተዳለወ እዩ።
ኣብ ሃገርና ሱቕ ምባል ከም ለባም ብምቕጻር ብዙሓት ፈላጣት ብዙሕ ዝፈልጡ ወይ ድማ ብቡዙሕ ምኽንያት ዝፍልጥዎ ታሪኽ ከይተሰነደ ብምሕላፎም ብዙሓት ሓቂታት ከይተዘረበሎም ብምትራፎም የታሓሳስበካ እዩ። በዚ ምክንያት ብሂወት ንዘለዉ ብዝተኻእለኒ መጠን ሓበሬታ ኽእክብ ፈቲነ እየ።
ብግልጽነት ብድፍረትን ናይ ሓደ ሓደ ጉዳያት ከብራህርሆ ኸሎኩ ምስ ታሪኽ ምትእስሳር ዘለዎም ታሪኽ ዘምጽኦ እምበር፡ ጽቡቕ ዝንኡ ንምድማቅ ወይ ድማ ድኹም ጎኑ ንምዕባይ ኣይኮነን ጽቡቁን ሕማቕ ጎኑን ተመስጋኒን ተወቃሲን ባዕሉ እቲ ባዓል ታሪኽ እዩ።
ኣብ ግዜ መግዛእትን ቕድሚኡን ዝነበረ ንምግላጽን ምስ ዘርኸብናሉ ዘመን ብቀደም ተከተል ንኽጽሓፍ ፈቲነ ኣለኹ ድሕሪ ባይታ ታሪኽና ማለት ቕድሚ መግዛእቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ምምጻእ እንግሊዝን ምቁራን ብፈደረሽን ተገይሩ ተጻሒፉ ኣሎ።
ታሪኽ ሃግርና ዓሚቕ እዩ ግን ተበግሶን ጽጹይ መጽናዕቲ ዝሓትት እዩ ግን ዓቕምካ ኣወሃሂድካ ክዕመም ይክእል ኢለ ስለዛኣመንኩ ዓቕመይ ዝፈቅዶ ንምብርካት ተበጊሰ ናይ ኤርትራ ታሪኽ ዘመነ ቱርኪ ፡ዘመነ ጣልያን፡ ዘመነ እንግሊዝ፡ ዘመነ ንጉስ ሃጼ ሃይለ ስላሴ ፡እንዳተብሃለ ብፍላይ ኣቦታትና ኣቦሓጎታትናን ክንደይ ዕድምየኩም ምስ እትብሎም ብዘመን እንግሊዝ ወዲ …ዓመት ነይረ እንዳተባሃለ ክዛረቡ ይሰምዕ ነይረ ።
ይኹን እንበር ዘመናትን ታሪኽን ንመቦቖልና ብንጽርን ብሓቕን ክንፈልጦም ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ብዝተካእለኒ መጠን ብቕድመ ተከተል ክጽሕፎ ፈተነ ኣለኹ ።
ብዘይካ እቲ ኣብ ውልቀ ሰባት ዝርከብ ሰነዳት ኣብ ዝተፍላለዩ መጽሓፍትን ዝረከቡ ጽሑፋትን ኣብ እዋን መግዛእቲ ብጣልያን ዝተጻሓፉ ኣብ ዘመን ጣልያንን ንቕድሚኡ ዝድህስሱን ኣብ ዘመን እንግሊዝ ብእንግሊዛውያን ኣብ ዘመን ሃጼ ስላሴ ዝተጻሓፉን አንቢበ።
ብተወስኪ ብደቂ ሃገር ዝፈልጥዎን ዛኣመንሉን ዝጻሓፍዎ ንምንጽጻርን ንመገዲ ስርሓተይ ሓጊዙኒ እዩ ንብምለኦም ታሪኽ ኤርትራ ዝጻሓፉ ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደሊን።ብተወሳኺ ኣብ መግዛእቲ ጣልያን እየ ኣዝየ ተገዲስ ንምጽሓፉ ፈቲነ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣስታት 200 መጽሓፍቲ ኤርትራ ዝጠቕሱ ብምህላዎምን ብምርካበይን ኣብኡ ኣቶዂረ ኣብዛ ቐዳመይቲ መጽሓፍ ኣቅሪበልኩም ኣለኩ ።
ስለዚ ታሪኽ ሃገረና ዝያዳ ናትና ታሪኽ ስለዝኮነ ንዓና እዩ ዘገድሰና ክንፈልጦ ይግብኣና እዩ። ብተወሳኺ ጣልያን ካብ ኤርትራ ተበጊሳ ወራራት ንኢትዮጵያን ንሶማልን ንሊብያን ኣካይዳ ነይራ እዚወን አገዳሲ ብሙዃኑ ተናኪፈዮ ኣለኹ ከምኡውን ታሪኪና ምስ ጎረቤት ሃገርና ሱዳን ኢትዮጵያ ብተወሳኪውን ምስ ቱርኪን ግብጽን ይትሓሓዝ ስለዝኮነ እዚውን ከም ታሪኽ መግዛእቲ ብሓጺሩ ኽጽሕፎ ፈቲነ ኣለኹ።
ናይ ሰብ መንነቱ ዝፍለጥ ብተግባሩ ምኳኑ ናይ ስነ ልቦና መሁራት ይገልጽዎ ‘ዃ እንተኮንኳ።ብኣተዓባብይኡ ብትወልዱ ብትምህርቱ ብሃይማኖቱ ብናይ ናብራ ዘጋጥሞ ኩነታት ይትንከፍ ስለዝኾነ ናይ ውልቀ ሰብ ሂወት ክጽሕፍ ከለኹ እዚ ነግራት ከይተረፈ ኣቕሪበዮን ተጠቂመሉን ኣለኹ።ታሪኽ ናይቲ ኣብ ሓደ ውስን ግዜ ወይስ እዋን ወይስ ዓመት እትፈጸመ ግብርታት ጽብጻብ እዩ ።ግብሪ ዘይተፈጾሞ ዓመት፡ታሪኽ የብሉን ኽዝከርን ኽኽበርን ድማ ኣይኽእልን እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ንዘመናቱ ሕዝብና ብሃይማኖትን ብዓሌትን ብወገንን ህዝቢ ኤርትራ ተኸባቢሩ ይነብር ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ስድራ ቤት ኾይኑ እናተላዘበ እናተሓበሓበ እናተከባበረ ምዃዱ ኣብነታዊ ታሪኻት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ዘመናት ግዝኣትውን ነዚ እዮም ዝምስክሩ ኣብ ጽሑፋቶም ንታሪኽን ንመበቖልና ብኑጽርን ብሓቅን ክንፈልጦም ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ እቲ ምርምር ናብ ታሪኽ ክዓሙቕ ዝኽእል እምበር ዝተወድኤ ብዘይምካኑ ንአንበብቲ ክገልጽ ይፈቱ። ነዚ መጽሓፍ ኣብ ተንብቡሉ ኾሎኹም ብዘይምፍላጥ ይኹን ብምዝንጋዕ ዘይተጻሕፉ ወይ ክግለጽ ዝነበሮ ግን ዘይተገልጸ ምስ ዝህልዉ ናይ ሰብ የእምሮ ሙሉእ ከምዘይኮነ ተረዲእኩም ባኣወንታ ክትእርሙኒ ባዓቢ አክብሮት ይሓትት።
ናይዝጊ ተወልደ
| Weight | 1 kg |
|---|






Reviews
There are no reviews yet.